SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
00:00
00:00

Episode's summary

ብዛዕባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ደሞክራታውያን (Democrats) ንክልቲኦም ባይቶ ወይ ኮንግረስ ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም ህዝቢ ድምጹ ሂቡ ኣሎ። ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ወሲኽካ ኣብዚ ምርጫ ዝተሳተፉን ዝተዓወቱን ብዙሓት ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሕጹያት ተራእዮም። ነዚ ብዝምልከትን እቲ ምርጫ ኣብ ህይወት ኣመሪካውያንን ዝህልዎ ጽልዋ ኣመልኪትና ምስ ዶ/ር ቶማስ ኣርኣያ ዝተገብረ ቃለ ምሕትት። #sbsaudiopodcast

Episodes

6627-

ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ- ኣመታቱን ተሳትፎ ኣፍሪቃውያንን ፡ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ቶማስ ኣርኣያ

ብዛዕባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ደሞክራታውያን (Democrats) ንክልቲኦም ባይቶ ወይ ኮንግረስ ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም ህዝቢ ድምጹ ሂቡ ኣሎ። ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ወሲኽካ ኣብዚ ምርጫ ዝተሳተፉን ዝተዓወቱን ብዙሓት ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሕጹያት ተራእዮም። ነዚ ብዝምልከትን እቲ ምርጫ ኣብ ህይወት ኣመሪካውያንን ዝህልዎ ጽልዋ ኣመልኪትና ምስ ዶ/ር ቶማስ ኣርኣያ ዝተገብረ ቃለ ምሕትት። #sbsaudiopodcast

05 Nov 2026
6626-

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝት ትግርኛ (05 ሕዳር 2026)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (05 ሕዳር 2026) #sbsaudiopodcast

05 Nov 2026
6625-

ኣብ ኣሜሪካ ታሪኽ ዝተሰርሓሉ ኮንግረስ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣትዩ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ደሞክራታውያን (Democrats) ክልቲኦም ኣዳራሻት ባይቶ ወይ ኮንግረስ ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም እኹል ቁጽሪ ወናብር ገልቢጦም ወይ ካብ መቐናቕንቶም ሪፓብሊካንስ መንጢሎም ወሲዶም። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ካብ’ቶም ውጽኢታት ነብሱ ከርሕቕ ይደሊ። #sbsaudiopodcast

05 Nov 2026
6624-

ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ሰጒጓ። (ጸብጻብ)

ትግራይ ዝሞበቆላ ኢትዮጵያዊት አሜሪካዊት ሜላት ኪሮስ ፈላመይቲ ጄንዚ ጓልኣንስተይቲ ኣባል ኮንግረስ አሜርካ ኰይና። ብተመሳሳሊ መገዲ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ ውን ደጊሙ ኣብ ኮሎራዶ ተዓዊቱ። ሶማሊያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመር'ውን ልዕሊ 76% ብምርካብ ኣብ ሚኒሶታ.። ተዓዊታ ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናጽነት ፕረስ ዘለዎ መርገጺ ክቕይር ጸቕጢ ክገብሩ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ሰጒጓ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንከይሳተፍ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ምስ ትግራይ ብዝተሓሓዝ ዝተኸሰሰሉ ገበን ኽሕደት ሃገር ኣሚኑ። #sbsaudiopodcast

05 Nov 2026
6623-

ግብጽን ሱዳንን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (4 ሕዳር 2026)

** ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ ነቲ ወግዓዊ መጠን ወለድ ገንዘብ ናብ 4.85 ሚእታዊት ኣዕብይዎ ኣሎ - እዚ ካብ 2008 ጀሚሩ ዝለዓለ ዕብየት እዩ። ** ግብጽን ሱዳንን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን። **ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ እቲ ታሪኻዊ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ኣብ መፋርቕ ምርጫ ገለ ካብ መናብር ሰልፉ ክስእን ትጽቢት ከምዘለዎ ተኣሚኑ ። #sbsaudiopodcast

04 Nov 2026